Publicatiedatum 12-01-2022 | 09:42
ብመንገዲ ሃገራዊ መደብ ክታበት (RVP (Rijksvaccinatieprogramma)) ንቘልዑ ካብ ከበድቲ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንከላኸለሎም
ኢና። ንኸም ትኽትኽታ፣ ንፍዮን ሕማም መኒንጎካልን ዝኣመሰሉ ሕማማት ንምክልኻል ክታበት ንህብ።
ሃገራዊ ትካል ህዝባዊ ጥዕናን ኣከባቢን (RIVM (Rijksinstituut voor Volksgezondheid en Milieu)) ሃገራዊ መደብ ክታበት የዳሉ። ናይ ቆልዑት ክንክን
ጥዕና (JGZ (Jeugdgezondheidszorg)) ድማ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዝርከቡ ሰባት ክትባት ይህብ። ንኣብነት ኣብ ናይ ጥዕና ምኽሪ
ዝወሃበሉ ቤት ጽሕፈታት ወይ ኣብ ናይ ስፖርት ኣዳራሻት ክትባት ይህብ።
ብመሰረት ሕጊ ሃገራዊ መደብ ክታበት ንምክያድ ንዓኻ ፍቓድ ክንሓተካ ኣለና። እዚ ብኸመይ ኣገባብ
ከም ዝካየድ ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ክንገልጸልካ ኢና።